Sunday, October 13, 2013

ብህልቒት ኤርትራዊያን መንእሰያት ኣብ ላምፐዱሳ ኢጣልያ ፤ መን ኢዩ ተሓታቲ ፧

312 ሬሳ ግዳያት ኤርትራዊን ብምትሕብባር ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ካብ ባሕሪ ምስ ወጽአ
"ግደ ሓቂ ንምዝራብ
ብድሕሪት ሰይጣን ብቕድሚት ባሕሪ"
 
  ዕሊ 300 ኣዴታትን ህጻናትን ዝርከቡዎም መንእሰያት ኤርትራ ካብ’ቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ዲክታቶር ኢሳያስ እንክሃድሙ ኣብ ኣፍ ደገ ዓዲ ጣልያን ባሕሪ ውሒጡዎም ሞይቶም። ብዘይካ’ቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዓለም ብምልእታ ርእያቶ፡ ሰሚዓቶ ሓዚና። ዓሊቓ። ሕልና ምልእቲ ዓለም ዝነቕነቐ ግዙፍ ጥፍኣት ሰብ እዩ ከኣ ተባሂሉ። ካብ ማይ ደም ዝሓፍስ ኴይኑ ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን ብርቱዕ ተተንኪፍና። ሓዚን’ና ጸጕርና ነጺና። ኣልቂስና፡ ግጥምታት ገጢምና፡ ተጻሪፍና፡ ኣስካሕካሒ ስእልታት ኣብ ፈቐዶኡ ለጢፍና። ምእንቲ ምዉታትና ጸሊና። ግርም ክኢልናዮ’ውን። ብዛዕባ ንጥፈታተን ሓንቲ’ኳ ሰሚዕናለን ዘይንፈልጥ ውድባት፡ ማሕበራት ሓዘነን ክገልጻ ብቕ ብቕ ክብላ ርኢና። ክሳብ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ንምግባር መንግስቲ ዝኸፍሎ ምምላስ ሬሳታት ናብ ኤርትራ ይጠልባ ኣሎዋ ሽሕ’ኳ ሕልሚ ደርሆ ምዃኑ ዝፈልጣ እንተኾና። ንመጠረስትኡ ከኣ ነዝማድ መወት’ቲ ጽንዓት ይሃቦም፡ ንመወት’ቲ መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ኢልና። ነቶም ዝተረፍና ከኣ ኣምላኽ ባዕሉ ከርህወልና ለሚን’ና። ዝሞተ ምስተቐብረ ግን ክሕሸና እዩ ጊዜ ዘሕውዮ ሓዘንን ቃንዛን የሎን። ናብ’ቲ ልሙድ መዓልታዊ ናብራና ከኣ ክንኣቱ ኢና።
ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቕዝፈት ቅድሚ ሔዚ’ውን በጺሑና እዩ። ሽዑ’ውን ብዙሕ ሓዚን’ናን፡ ጸጕርና ነጺናን፡ ኣልቂስናን ተጻሪፍናን ኢና። ንስድራ ቤት ምዉታት ኣጸናኒዕናን፡ ንምዉታትና መንግስተሰማያት ከዋርሶም ጸሊናን ነቶም ዝተረፍና ከኣ ኣምላኽ ምሕረቱ ክገብረልናን ጸሊና ኢና። ቀስ ኢልና ከኣ ናብ’ቲ ልሙድ መዓልታዊ ህይወትና ኣቲና። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኾነ ፈረንሳውያን ድሮ ዝኾነ፡ ድሮ ዝተራእየ (déjà vu) ይብልዎ። እዚ’ውን እቲ ናይ መወዳእታ ቕዝፈት መንእሰያትና ኣይክኸውንን እዩ። መልቀስቲ፡ ገጠምቲ፡ ደረፍቲ፡ ተጻረፍቲ ብገናኡ ተዳልዉ። ፖለቲከኛታት ድሮ ድርሳናትኩም ድረሱ። ጋዜጠኛታት ርእሰዓንቀጻትኩም ጽሓፉ። እቲ ንመንእሰያትና ናብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ቕዝፈት ዝደፍእ ዘሎ ሓይሊ ኣኽላባት ከም ድላዮም ይንብሑ ንሱ ኣብ መገዱ ቀጻሊ ምዃኑ ሓያሎ ሻዕ ኣረዲኡና እዩ።
ሽግርና ሰብ ዝሰርሖ እዩ። ስለ’ዚ ከኣ ሰብ ዝፈትሖ። ኣምላኽ የርህዎ! ሕልናኡ ናይ ዝዓረበ መህደሚ እዩ። ኣምላኽ ንዘይሰርሖ ሽግር ስለምንታይ ኣምላኽ ዘርህዎ? ስለምንታይ ባዕላትና ንዝሰራሕናዮ ሽግር ናብ ኣምላኽ ንድርብዮ? ወለዲ ጽንዓት ይሃቦም! ምዉታትና መንግስተ ሰማያት የዋርሶም! … እዘን ቃላት እዚኣተን’ስ ንወለድን ንመወትን ከደዓዕሳ ድየን? ነቶም ወለዲ ደቆም ክመልሳሎም ድየን? እቶም ኣብ ባሕሪ ዝሰጠሙ መንእሰያት እኮ ንመንግስተ ሰማያቶም ኣብ መሬት እዮም ደልዮማ!
እሞ እንታይ ግበሩ ኢኻ ትብለና ዘሎኻ? ዝብል ሕቶ ከተሕሸሽኹ እስምዓኒ። እቲ ሓቂ ንንገሮም። ሃገር ንበላዕቲ ሓዲግካ ምህዳም መሰረታዊ ፍታሕ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ንህይወት ሓደገኛ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንንገሮም።
ነቶም ብምድረበዳን ባሕርን ዝኹብሉሉ ዘሎዉ መንእሰያት ኣፍና መሊእና ነዚ ሓቂ ክንብሎም ዘየኽኡሉና ሓደ ክልተ ስክፍታታት ኣሎዉ። “ንስኻትኩም ኣብ’ዚ ኣብ ሃገረ ሰላምን ነጻነትን ጽጋብን ኣሎኹም። ስለምንታይ ንዓና ነዚ ክትነጽጉልና ትደልዩ? ንስኻትኩም ኣብ’ዚ ጥዒሙኩም ኣጣጢሕኩም ንሕና ምእንታኹም ክንስዋእ ክትሓቱና’ስ ፍትሒ ድዩ? … ” ንገለ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ሕቶ። እወ፡ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ እዚ ሓቂ እዩ። ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ጥራሕ ግን። ዝኾነ ስደተኛ፡ ኣብ ውሽጢ ነፍሱ ሓቀኛ ሰላምን ቅሳነትን የብሉን። እቲ ኣብ ናይ ሔዚ ኤርትራ ዝቕመጥ ዘሎ ግን ንውሽጣዊ ቅሳነት ብሕብስቲ እንተተለዊጡ ከም ኣዎንታዊ ነጥቢ ክወሰድ ይከኣል ይኸውን። እቲ ኣውሮጻዊ ዘይቅሳነት ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ውሽጢ ኤርትራ ዘይቅሳነት ብልጫ ክህልዎ ይኽእል። እንተኾነ ነዚ ዝኽፈሎ ዕዳ ኣሎዎ። ሞት። ኣብ ሞት ዝኾነ ብልጫ የሎን። ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ዋላ’ውን እቲ ተሰዳዲ ምስ ህይወቱ ናብ ኣውሮጳ ይብጻሕ፡ ንሱ እቲ ካብ ዓዲ ዝተበገሰ ሰብ ኣይኾነን። ንሱ ኣብ መንገዲ ነፍሱ ተቐቲላ ጽላሎት ነፍሱ ጥራሕ እያ ናብ ኣውሮጳ እትበጽሕ። ብዙሓት ከኣ እቲ ኣብ ኣውሮጳ ክፍጸም ዝሓለምዎ ቁጠባዊ ሕልሚ ከይተፈጸመ ምስ ተረፈ ኣብ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ነፍሰ ቅጥለትን ዝበጽሑ ኣሎዉ። ኣብ’ዛ ኣነ ዝቕመጣ ንእሽቶይ ከተማ ሰሜናዊ ሄሰን ብባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጣልያን ዝኣተዉ፡ ኣሰር ኣጻብዕቶም ብሓዊ ኣቃጺሎም ናብ ጀርመን ዝቐጸሉ ገለ ሽሞንተ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ኣሎዉ። ክሳብ ብወግዒ ከም ስደተኛታት ዝፍለጡ ከኣ ክመሃሩ ይኹን (መባእታዊ ትምህርቲ ቋንቋ’ውን ከይተረፈ) ክሰርሑን ኣይተፈቕደሎም። እቲ ምምሕዳር ስደተኛታት ሕጋዊ ኣተሃላልውኦም ክሳብ ዝረጋገጽ ምስ ህዝቢ ዝወሃሃድሉ መሳርሒ ቋንቋ ክህቦምን ምእንትኡ ገንዘብ ከጥፍእን ኣይደለየን። ክሳብ እዚ ዝኸውን ከኣ እቲ ዝተቓጸለ ቈርበት ኣሰር ኣጻብዕቲ ተቐሊጡ እቲ ሓቀኛ ኣሰር ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ክወጽእ እዩ! ድሕር’ዚ ከም ዘይሕጋዊ ነበርትን መደናገርትን ተወሲዶም ከም ስደተኛታት ቅቡላት ክኾኑ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ። ብመሰረት’ቲ ዘሎ ሕጊ ድማ ናብ ዓዲ ጣልያን ክምለሱ እዮም። ነቲ ምዕዛምን ሸንኮለልን ምጻሩ ከቢድ እዩ። ሓደ ቅድም’ዞም ናይ ሕጂ ጉጅለ ዝመጸ፡ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ሰንፈለል ዝበለ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ብፍቓዱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ። ቅድሞ ምኻዱ፡ “ክልተ ዓመታት ህይወተይን 15,000 ዶላርን ንከንቱ ሓሺሸ፣ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቐ፣ ኣብ ነፍሰይ ዘይጠፍእ ስንብራት ጽልኢ ሓንጢጠ ሕጂ ነቲ ዝተረፈ ጥዕናይ ክዕቕብ ናብ ዓደይ እምለስ ኣሎኹ። ቁጠባዊ ኩነታተይ ከማሓይሽ እውን ካብ ኣብ’ዚ ኣብ ዓደይ ዘሎ ዕድል ይዓቢ” ኢሉኒ። ፍርቂ ኢትዮጵያዊ ፍርቂ ኤርትራዊ እዩ።
እቲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ። ካብ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ነዚ መንግስቲ ዝገለጽኩዎን ዝጸረፍኩዎን ዝጸላእኩዎም መግለጽን ጽልእን የብለየን። እቲ ብዛዕባ’ዚ መንግስቲ’ዚ ክበሃል ዝኽእል ተባሂሉ ክደጋግም እንተዘይኴይኑ ብሓዊ ዝብሎ ሓዲስ ነገር የብለይን። እንተኾነ ነቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዝኾነ ህልቂት ጠንቁ ብደፈናኡ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ጥራሕ ክንድርብዮ ኣይንኽእልን። ንሕና ኵላትና- እቶም ብዛዕባ ሓደገኛነት ናይ’ቲ መገሻ ዘየፍለጥናዮም፣ እቶም ብዛዕባ ኢምንትነት ናይ’ቲ መገሻ ዘይሓበርናዮም፣ እቶም ነቲ መገሻ’ዚ ከሰላስሉ ገንዘብ ዝለኣኽናሎም ተሳተፍቲ ናይ’ዚ ህልቂት’ዚ ኢና። ብፍላይ ድማ እተን ኣብ ዘየሎ ስልጣን ሕድሕደን ዝፈሓናጠራን፡ ኣብ ሓጨቕ መጨቕ ክናታረኻ ዝውዕላን፣ ነቲ መንእሰይ ካብ ምህዳም ንላዕሊ ከይሓስብ ዝገበራኦን ተስፋ ዘቝረጽኦን ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ውድባት ተሳተፍቲ ናይ’ዚ ቅትለት’ዚ እየን።
ህጻናት ግዳያት እቲ ሓደጋ ባሕሪ
እቶም ሓደገኛነት ናይ’ዚ መገሻ’ዚ እንዳፈለጡ “ኣብ’ዚ ሞት ኣብ’ቲ ሞት!” ኢሎም ዝነቐሉ ምዉታት ንባዕላቶም ተሳተፊ ናይ ገዛእ ቅትለቶም እዮም። እተን ህጻናትን ቈልዑትን ሒዘን ኣብ’ዚ ሓደገኛ መገሻ’ዚ ዝተሳተፋ ኣዴታት እውን ኣብ ምቕታል ደቀን ተሳቲፈን እየን። ንነፍሳተን ኣብ ሓደጋ ከውድቃ ክውስና ይኽኣላ እምበር ንህይወት እቶም ብዛዕባ ነፍሶም ክውስኑ ዘይክእሉ ህጻናት ኣብ ሓደጋ ከውድቓ ክውስና መሰል የብለንን። እቶም ክሕግዙን ህይወታት ከድሕኑን ዝኽእሉ ዝነበሩ መርከበኛታትን፣ እቶም ነዚ ከይገብሩ ዝዓናቕፉ ኢሰብኣዊ ሕግታትን ኣብ ቅጥለት ናይ’ቶም ዝተቐዝፉ ተሳቲፎም እዮም። ኣውሮጳ፡ ኮታ’ስ ዓለም ብምልእታ ኣብ’ዚ ቅትለት’ዚ ተሳቲፋ እያ። እቲ ዝኾነ ቅትለት ድኣ’ምበር ሓደጋ ጥራሕ ኣይኮነን። እቶም ዝዓበዩ ጳጳስ ዓለም ነታ መዓልቲ ‘መዓልቲ ሕፍረት ዓለም’ ኢሎም ገሊጾማ። ሓቖም። እንተኾነ ደንጕዮም ሓፊሮም። ከም’ዚ ዝኣመሰለ መቕዘፍቲ ሎሚ መፈለምትኡ ኣይኮነን። ዓለም’ውን ሓፊረ ኢላ። ዓለም እውን ደንጕያ ሓፊራ። ንምዃኑ’ኸ ብርግጽ ሓፊራ ድያ? ማዕከናት ሓበሬታ ዓለም ብምልኡ ንገለ መዓልታት ተወዓዊዑሉ። ‘ንሕልና ኣውሮጳ ዘነቓንቕ ተርእዮ’ ተባሂሉ ተገሊጹ። ሕልና ኣውሮጳ’ኸ ብርግጽ ተነቓኒቓ’ዶ? ሓንቲ ኢዮታ እዃ ኣይተነቓነቐትን። ሓበሬታዊ ኣፈኛ ሕብረት ኣውሮጳ በቲ ዝኾነ ቅዝፈት ዝኾነ ዝቕየር ሕጊ ከምዘየሎ ቅድሚ ትማሊ ብዕሊ ኣፍሊጡ። ህይወት ከምዝነበረቶ ክትቅጽል እያ። እቶም ዘልቀስናን፡ ዝጸላናን፡ ጽንዓት ወለድን ጽድቂ ምዉታትን ዝተመነናን፡ ሽግርና ኣምላኽ ባዕሉ ክፈትሓልና ዝተመባጻዕናን እውን ናብ’ቲ ልሙድ ህይወትና ክንምለስ ኢና። ድሕሪ ቁሩብ ከኣ ኣሳእል ምዉታትና ተሪፉ ስእልታት መርዓናን ሕጸናን ልደታት ደቃትናን፣ ስእልታት ዕረፍትናን ኣብ ፈይስቡክ ክንልጥፍ ክንጅምር ኢና። ድሕሪ ቁሩብ ከኣ መንእሰያትና ኣብ ሲናይ ክጥብሑን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክጥሕሉን እዮም። ደጊምና ከኣ ከነእዊ ኢና። ብልቢ እንተደሊና ግን ንከምዚ ዝኣመሰለ ቅትለትን ነፍሰ ቅትለትን ደው ከነብሎ ንኽእል ኢና። ነቲ መንእሰይ ካብ ህድማን ፍረኣልቦ ሞትን ዝበለጸ ምርጫ ከነቕርበሉ ንኽእል ኢና።
ካብ’ቲ ምዉቕ ሓዘን ኣበራቢረኩም እንተዄይነ ኣይትሓዙለይ። ኣነ’ውን ካብ’ቶም ነዞም መንእሰያት ዝቐተልኩ እዬ። ኣነ’ውን ከማኹም ሓዛኒ እዬ። ነቲ ጉዳይ ብጽሞናን ብውድዕነትን ንርኣዮ ጥራሕ እዬ ክብል ደልየ።
                                                   ሓውኹም፣       ዳንኤል ሰ. ተስፋይ ጀርመን

Thursday, October 3, 2013

Dozens Eritrean migrants die after boat sinks off Italy's coast

Dead bodies are covered with sheets at the port of Lampedusa
A boat carrying hundreds of migrants mostly Eritreans & Somalis went down off Italy's southern coast on Thursday, killing dozens and leaving scores missing, officials said.


Italian coast guard Commander Floriana Segreto told that at least 73 people had been confirmed dead with another 151 people rescued, adding that "lots more" people remained in the water. Citing authorities, Reuters later reported the death toll had reached 92.
Officials said there were between 400 and 500 migrants on the boat when it sank in the Mediterranean Sea off the Sicilian island of Lampedusa.Lampedusa Mayor Giusy Nicolini told Reuters the death toll was rising and the victims were mostly Somalis and Eritreans.
"It's horrific, like a cemetery, they are still bringing them out," Nicolini said, adding that the dead included at least one child and a pregnant woman.
Coast guard ships and helicopters from across the region, as well as local fishing boats were on the scene trying to find survivors, coast guard spokesman Marco Di Milla told The Associated Press.
The vessel was thought to have left Libya, according to the U.N. refugee agency UNHCR.
some of the passengers rescued near Lampedusa early on Thursday.
Almost 500 people were reported dead or missing making the crossing from Tunisia to Italy last year, the UNHCR said.
Thursday's migrant shipwreck was one of the deadliest in recent times and the second one this week off Italy: On Monday, 13 men drowned while trying to reach southern Sicily when their ship ran aground just a few yards from shore.
 According to the U.N. refugee agency, 8,400 migrants landed in Italy and Malta in the first six months of the year, almost double the 4,500 who arrived during the first half of 2012.The U.N. High Commissioner for Refugees had recorded 40 deaths in the first half of 2013 for migrants arriving in Italy and Malta, and a total of 500 for all of 2012, based on interviews with survivors. Fortress Europe, an Italian observatory that tracks migrant deaths reported by the media, says about 6,450 people died in the Canal of Sicily between 1994 and 2012.