Friday, May 17, 2013

UN chief appoints Haile Menkerios as the new UN envoy to the African Union

Haile Menkerios
Secretary-General Ban Ki-moon has appointed veteran diplomat Haile Menkerios as the new U.N. representative to the African Union.

U.N. deputy spokesman Eduardo del Buey said Friday that Menkerios will also continue his current assignment as the secretary-general's special envoy for Sudan and South Sudan. He will have the rank of undersecretary-general.
Menkerios, a longtime Eritrean diplomat who is now a South African citizen, will replace Zachary Muburi-Muita of Kenya who completes his assignment on June 30.
Del Buey said Menkerios brings to his new position extensive experience in African issues and with the United Nations, where he was an assistant secretary-general for political affairs from 2007-2010.






 ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ንኤርትራዊ ኣቶ ሃይለ መንቀሪዮስ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ሓድሽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት፣ኣብ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ድማ ብማዕረግ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ፍሉይ ወኪሎም ገይሮም ሸይመምዎም።

 ኣቶ ሃይለ ሒዞምዎ ዝርከቡ ሓልፍነት ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን  ከምዝቕጽልሉን ኣገልግሎት ዘመኖም 30 ሰነ 2013  ይዛዝሙ ንዘለው ዛካሪ ሙቡሪ-ሙይታ ከምዝትክኡዎምን ተፍሊጡ’ሎ።

 ኣቶ ሃይል መንቆሪየስ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ዘዋህለልዎ ሰፊሕ ተመኩሮ እዮም ሒዞም ዝምደቡ ዘለው።ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ኣብ 2011 ቅድሚ ምምዛዞም ካብ 2010  ጀሚሮም ወኪልን ሓላፍን ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱዳን፣ካብ 2007 ክሳብ 2010 ድማ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብምዃን ሰሪሖም።

  ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንነዊሕ እዋን ቅድሚ ምግልጋሎም ካብ 1991 ክሳብ 2000  ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ውድብ ሓድነት ኣፍሪካን፣ፍሉይ ልኡኽ ሱማሊያን ዓበይቲ ቓላይን ከምኡ’ውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓላፍንት ኣገልጊሎም እዮም።



ዜግነት ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ምኳኑ ሕ/ሃ ገሊጹ ።

 ኣቶ ሃይለ መንቆሬዎስ፣ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብደረጃ ሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኮይኖም ንክሰርሑ ተመዚዞም።

ምኽትል ወሃቢ-ቃል ሕ/ሃ ኤድወርድ ደል ብወይ፣ንኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዜግነት ዝሓዙ ኢሎም‘ዮም ገሊጽምዎም።ሚስተር ዴል ኣብ መግለጺኦም”ኣቶ ሃይለ ኤርትራዊ ተባሂሎም ይግለጹ ስለዝነበረ፣እዚ ዜና‘ዚ ንብሓት ዘገረመ ኮይኑ‘ሎ” ኢሎም።

ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ፣ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኢትዮዽያን ኮይኖም ከምዘገልገሉ ዝዝከር‘ዩ።ኣብ 2002 ሰራሕተኛ ሕ/ሃ ቅድሚ ምኳኖም፣ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕ/ሃ ነይሮም።

ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ፣ንሪፖርተራት ዘይምዝራብ ፖሊሲ ኣለዎም።ቪኦኤ (VOA)ንዘቅረበሎም ሕቶ ቃለ-ምልልስ‘ውን ኣይተቀበልዎን።ግን ምንጭታት ሕ/ሃ ንቪኦኤ ከምዝበልዎ፣ኣቶ ሃይለ ዜግነቶም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቀየሩ ቅድሚ ዓመታት‘ዩ።ምኽንያቱ ግና ኣይጠቀሱን።

ግን ከምመጠን ምኩር ዲፕሎማት፣ኣቶ ሃይለ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮዽያን ናይ ቀረባ ርክብ ኣለዎም።ኣብ‘ቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ነዊሕ ኣብ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ክልቲኤን ሃገራት፣ሞንጎኛ ኮይኖም ክራኣዩ ድልየት ኣለኒ ኢሎም ይባሃል።

ከምልኡኽ ሕ/ሃ፣መደብሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ።ንሶም፣ኣብ ዝተፈላለየ መዝነትን ሓላፍነትን ዝሰርሑን፣ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ንዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ወኪሎም ንጉዳይ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ይከታተሉ‘ለው።

ኣብ 1946 ዓም ዝተወለዱ ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ፣ካብ ዩኒቨርስቲ ብራንድስ ኣሜሪካ ብባችለር ዲግሪ፣ካብ ዩኒቨርስቲ ሃርቨርድ ኣሜሪካ ድማ ማስተርስ ዲግሪ ተቀቢሎም‘ዮም።

        ምንጪ ራድዮ ኣሜርካ VOA



2 comments:

  1. That is good to see your follow country man to have this post congratulation Mr. Haile Menkerios you made proud Eritrean

    ReplyDelete
  2. እዚ ሰብዚ ይትረፍ መንነቱ ክቕይር ዋላ ሃይማኖቱ ዩ ቀይሩ ፡ ንዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ወኪሎም ንጉዳይ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓንቲ ሱዳናዊት ንእሽቶ ጎርዞ ቆልዓ ተመርዕዩ፡ ንክምርዓዋ ነታ ጓል ኣስላመይቲ ስለ ዝኾነት ናብ ምስልምና ኣትዩ ። ኣብዚ ሱዳን የ ዝነብር ሱዳናውያን ነዚ ነገር ደስ ኢልዎም ንዝረኸብዎ ኤርትራዊ ክስታን እንተ ኾይኑ ናብ ምስልምና ክዕድሙ ኣትኪኾምና ዮም ኔሮም ።

    ReplyDelete